Fana: At a Speed of Life!

ህፁፅ ጉባኤ ህወሓት ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ክሳለጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ) ህፁፅ ጉባኤ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ካብ ፅባሕ ዕለት 25 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳለጥ ኢዩ።

እቲ “ጉባኤ ፅንዓትን መኸተን” ብዝብል መሪሕ ቓል ኣብ ከተማ መቐለ ዝካይድ ጉባኤ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊን ክልላዊን ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነታት ዝወሃብሉ ክኸውን ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣብቲ ጉባኤ ተወከልቲ ኣባላት ህወሓት፣ መናእሰይ፣ ምሁራን፣ ወኪላት ሲቪክ ማሕበራት፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣካላትን ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ክሳተፉ እዮም።

ኣብ ዝሓለፉ ቀዳመ ሰንበት “መስመርና ኣፅኒዕና ንመኸተ” ዝብል መሪሕ ቃል ዘለዎ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ንኽልተ ተኸታታሊ መዓልቲ ኣብ ከተማ መቐለ ምስላጡ ይዝከር።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.