Fana: At a Speed of Life!

ሆስፒታል ሕክምና ዓይኒ ኲሓ ናፃ ኣገልግሎት ንቕለ ተኸላ ብሌን ዓይኒ ምሃብ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሆስፒታል ሕክምና ዓይኒ ኲሓ ምስ ኦፕሬሽን ኢትዮጵያን ፕሮጀክት ሂማልያ ካትሪክት ዝተብሃለ ትካል ምግባረ ሰናይን ብምትሕብባር ብዓይነቱ ዝተፈለየ ወፍሪ ናፃ ኣገልግሎት ሕክምና ዓይኒ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ክፍሊ ዓይኒ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኩሓ ስፔሻሊስይ ዓይኒ ኣይተ ዮናስ ምትኩ፥ ብሰንኪ ኲናት ተቛሪፁ ዝፀንሐ ኣገልግሎት ንቕለ ተኸላ ብሌን ዓይኒ ዳግም ናብ ስርሕ ምእታዉ ገሊፆም።

እዚ ዕድል ንኹሉ ክፉት ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

ሆስፒታል ሕክምና ዓይኒ ኩሓ ሕዚ ብፍሉይ ወፍሪ ዝጀመረሎም ድማ፥ ብመውቃዕቲ ወይክዓ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ምዕፃው ቱቦ ዓይኒ ዘጋጠሞም፣ ፀገማት መሸፈኒ ቆርበት ዓይኒ ምስትኽኻል፣ ኣብ ሓቛፊ ዓይንን ምስ ኦርቢት ዓይኒ ዝተኣሳሰሩ ፀገማት ምስትኽኻልን ዝኣመሰሉን ሕክምናታት ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.