Fana: At a Speed of Life!

ለሚ ኩራ መበል 11 ክፍለ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንኽትከውን ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ለሚ ኩራ መበል 11 ክፍለ ከተማ ብምዃን ንኽትጣየሽ ብቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተወሲኑ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ናይ ትማሊ ድሕሪ ሰዓት ውዕሉኡ፥ ክፍለከተማታትን ወረዳታትን ከምብሓዱሽ ንምውዳብ ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ተዛቲዩ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ሓዱሽ ኣወዳድባ፥ መጠን በዝሒ ነበርቲ፣ ዓባዪ ዝኾነ ተበፃሕነት ግልጋሎትን ዓቕሚ ምሕደራ ብምዕባይ ንነበርቲ እታ ከተማ ሚዛናዊ ብዝኾነ ርሕቐት ተበፃሒ ዝኾነ ቀረብ ኣገልግሎት ብምምዕርራይ ነባሪ ፍትሓዊን ቅልጡፍን ኣገልግሎት ንኽረክብ ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ።

ምክትል ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበለኦ፥ እታ ሓዳሽ ክፍለ ከተማ ተወሳኺ ትሕዝቶ መሬት ዘለዋ ዘይኮነትስ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበራ ክፍለ ከተማታት ቦሌን የካን ብምንካይ ዝተጣየሸት ኢያ።

ኣብቲ ቤት ምኽሪ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ሰፊሕ ዘተ ዝተገበረሉ እንትኸውን፥ ክፍለ ከተማታትን ወረዳታትን ዳግም ንምውዳብ ዝቐረበ ኣዋጅ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።

ብመሰረት እዚ ለሚ ኩራ መበል 11 ክፍለ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንኽትከውን ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምውሳኑ ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬቴሪያት ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.