Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ውድብ ሕቡራት መንግስታት ፊሊፖ ግራንዲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ጣብያታት ተመዛበልቲ ኤርትራ ጎብንዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ላዕለዋይ ኮሚሽነር ውድብ ሕቡራት መንግስታት ፊሊፖ ግራንዲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ጣብያታት ተመዛበልቲ ኤርትራ ጎብንዮም።

ሚኒስትር ሰላም ሙፈሪያት ካሚል፥ ኢትዮጵያ ስደተኛታት ኣብ  ማሕበራዊ ጉዳያት ንክሳተፉ ፖሊሲ ብምቕራፅን ዝተፈላለዩ ተግባራት ብምእፃምን ትርከብ ኢለን።

ኣብቲ ዑደት ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ሓዊሱ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ አምባሳደር ሬድዋን ሁሴን፣ ዋና ዳይረክተር ኤጀንሲ ግዳያት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኣይተ ተስፋሁን ጎበዛይ ተሳቲፎም።

ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል፥  መንግስቲ ኣብ ትግራይ ሰላምን ጸጥታን ብዘተኣማምን ኩነታት ከምዝሓለወ ገሊፀን።

ኢትዮጵያ ስደተኛተት ብምቕባልን ብምትእንጋድን ግንባር ቀደም ሃገር ሃገር ከምዝኾነት እውን ዛሪበን።

ኣየተ ዴኤታ ሬድዋን ሁሴን ብግደኦም፥ ኣብቲ ክልል ሰላም ንምርግጋፅ ዝተፈፀመ ተገባር ነቲ ሐዚ ዘሎ ሰላምን ድሕንነትን መረጋገፂ ኢዩ ኢሎም።

ኮሚሽነር ፊሊፖ ግራንዲ፥ ኣብ ማይ ዓይኒ ዘለዉ ኤርትራውያን ሰደተኛታት ተዘዋዊሮም ሪኦም።

ኢትዮጵያ ልዕሊ 1 ሚሊዮን ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመፅኡ ስደተኛታት ተቐቢላ ተተኣናግድ ሃገር ኢያ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.