Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዎት ኣመራርሓ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያን ኣምሓራን ኣብ ክሊ ሰላምን ልምዓትን ይላዘቡ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ኣመራርሓ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያን ኣምሓራን ኣብ ክሊ ሰላምን ልምዓትን ይላዘቡ ኣለዉ።

ኣብቲ መደረኽ ዘተ ኣብ ክልቲአን ክልላት ብተደጋጋሚ ዘጋጥሙ ፀገማት ሰላምን ፀፅታን ተዋዲድካ ንምክልኻልን ብሓባር ንምስራሕን ኣብ ዘኽእል ኩነታት ፍሉይ ትኹረት ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዘጋጥም ዘሎ ሞትን ምምዝባልን ብህፁፅ ደው ምባል፣ ኣብ ልዕሊ ተወሳእቲን ተንኮስቲን እቲ ጎንፂ ኣድላዪ ስጉምቲ ምውሳድ፣ ብሰንኪ እቶም ጎንፂታት ጉድኣት ዝበፅሖም ወገናት ፈትሒ ንክረኽቡን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንክቕርቡን ምግባር፣ ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ምምላስን እግሪ ምትካልን ከምኡውን ኣብተን ክልላት ዘላቒ ሰላም ንምንጋስ ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት እቶም ኣመራርሓ ይዛተዩ ኣለዉ።

ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ክልቲአን ክልላት ዝስርሑ ዘለዉ መሰረተ ልምዓታት ብምዝዛም ተረባሕነት ህዝቢ ምርግጋፅ ዝብሉ ዛዕባታት ዘተ ይግበረሉ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገርን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ እተን ክልላት እውን ይሳተፉ ኣለዉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.