Fana: At a Speed of Life!

ሌሴቶ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ምስ ኢትዮጵያ ክትሰርሕ ከምትደሊ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ሌሴቶ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ምስ ኢትዮጵያ ክትሰርሕ ድሌት ከምዘለዎ ኣምባሳደር ሌሴቶ ኣብ ኢትዮጵያ ንቺዩዋ ሴኬቴ ገሊፆም፡፡

ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ምስ ኣምባሳደር ንቺዩዋ ሴኬቴ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝከለኣለሎም ጉዳያት ተዛቲዮም፡፡

እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ዘተ÷ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ንዓውዲ ሕርሻ ትኹረት እቲ ዓውዲ ነምዝማን እናሰርሖ ዝርከብ ፃዕሪ ኣብሪሆም፡፡

በዚ ድማ÷ ኣብ ልምዓት ስርናይ፣ ልምዓት ሃፍቲ እንስሳን ዓሳን፣ ትሩፋት ሌማት፣ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተኸላ ፈልሲታት ዝተረኸቡ ዓወታት ኣመልኪቶም መብርሂ ምሃም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣምባሳደር ንቺዩዋ ሴኬቴም መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘፈር ሕርሻ ዝሃቦ ትኹረት ብምንኣድ÷ ሌሴቶ ኣብቲ ዓውዲ ምስ ኢትዮጵያ ብሓባር ክትሰርሕ ከምትደሊ ኣረጋጊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.