Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ ብር 67 ሚሊየን ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣተውቲን ወፃእቲን ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዚያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 67 ሚሊየን ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣተውቲን ወፃእቲን ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ።

እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ካብ 30 መጋቢት ክሳብ 7 ሚያዝያ ኣብ ዘለዉ መዓልቲታት ኣብ ዝተፈላለዩ ኬላታት ጉምሩክ ዝተትሓዙ ኢዮም ተባሂሉ፡፡

እቶመ ልዕሊ ብር 36 ሚሊየን ዝግመቱ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ናብ ውሽጢ ሃገር ክአትዉ ክብሉ ዝተትሓዙ እንትኾኑ፥ ግምታዊ ዋገኦም ልዕሊ ብር30 ሚሊየን ዝኾኑ ድማ ካብ ሃገር ንምውፃእ እንትፍትኑ ዝተትሓዙ ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡

ካብ ካብ ሞንጎ እቶም ዝተትሓዙ ኣቑሑት ድማ ኣፋውስ፣ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ገንዘብ፣ ፍርያት ምግቢ፣ መጋየፂ ኣቑሑት፣ ክዳውንቲን መለዋወጢ ኣቑሑትን ይርከቡዎም፡፡

ኣብ ምዝውዋር ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተሳትፎ ክህልዎም ይኽእል ኢዩ ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ውልቀ ሰባትን እናጓዓዓዛ ዝተረኸባ 21 ተሸከርከርቲን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ምርመራ እናተገበረሎም ከምዝኾነ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.