Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 280 ተጠርጠርቲ ምስ ኤግዚቢቶም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 280 ተጠርጠርቲ ምስ ኤግዚቢቶም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ውዒሎም፡፡

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብተደጋጋሚ ገበን ክፍፅሙ ዝነበሩ ውልቀሰባትን ገበን ዝፍፀመሎም ከባቢታትን ብዝተገበረ ስራሕ ልዕሊ 280 ተጠርጠርቲ ምስ ኤግዚቢቶም ከምዝተትሓዙ ኢዩ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ ዘሎ፡፡

ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ከባቢ መገናኛ ገበን ክፍፅሙ ዝነበሩ 15 ተጠርጠርቲ ዝተትሓዙ እትኾኑ÷ ልዕሊ 113 ሽሕ ዋጋ ዘለዎም ሞባይላት ስልኪ  ብኢግዘቢትነት ከምዝተተሓዙ ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸበርናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

ከምኡ እውን ኣብቲ ክፍለ ከተማ ከባቢ መገናኛ ገበን እንትፍጽሙ ዝነበሩ 50 ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ከምዝወዓሉን ካብቶም ዝተተሓዙ ውሽጢ እቶም 35 ገበን እናሰርሑ ከምዝተተሓዙን ተገሊፁ፡፡

200 ሞባይላት እውን ኣብ ዝተፈላየ እዋናት ናብ በዓል ዋና ከምዝተመለሰ ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.