Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 546 ሺሕ ካሬ ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎም ስራሕቲ ልምዓት ንግልጋሎት ክፍቲ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ለሚ ክፍለ ከተማ ኩራ ዝተሃነፁ ሓፈሻዊ ስፍሓቶም ልዕሊ 546 ሺሕን 200 ካሬ ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎም ስራሕቲ ልምዓት ንግልጋሎት ክፍቲ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ንግልጋሎት ክፍቲ ዝኾኑ መሰረተ ልምዓታት ድማ ኣካፈልቲ መገዲ፣ ወሰንን ኣደባባይን፣ ሓምለዋይ መሰረተ ልምዓታት ከምኡ እውን ብውልቀ ሰብ ዝለምዑ ሞዴል መንደራት ከምዝኾኑ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣፍሊጠን፡፡

ከንቲባ ኣዳነች ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላፈኦ መልእኽቲ÷ “ኣዲስ ኣበባ ከም ስማ ውቅብቲን ዕምበባን ንምግባር ዝኣተናዮ ቃል ናብ ተግባር ምቕያርና ሕዚ እውን ተጠናኺሩ ቀፂሉ ኣሎ” ኢለን።

ንግልጋሎት ክፍቲ ዝተገበሩ ስራሕቲ ሓምለዋይ ልምዓት እታ ከተማ ውቅብቲ፣ ሰሓቢት፣ ንፅህቲን ሓምለወይቲን ካብ ምግባርን ብተወሳኺ ልዕሊ 12 ሺሕ ንዝኾኑ ነበርቲ ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠሩ ገሊፀን።

ማሕበራዊ ሓላፍነቶም ብምውፃእ ብወለንታ ብምትሕብባር ንዝሰርሑ ሰብ ሃፍቲን ነዚ ዘተሓበባሩ ኣመራርሓታትን ኣመስጊነን።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.