Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 66 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጨንፈር ኣቢያተ ፅሕፈት ጉምሩኽ ጅግጅጋን ድሬደዋን 66 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ተገሊፁ።

ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ጉምሩኽ ጅግጅጋ ካብ 25 ክሳብ 30 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም ብዝገበሮ ክትትል ልዕሊ 12 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ሒዙ፡፡

ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ጉምሩኽ ድሬዳዋ ብተመሳሰሊ፤ ልዕሊ 54 ሚሊየን ብር ዝግመት ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሃገር ክወፅ ክብሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ኬላታት ከምዝተትሓዙ ካብ ኮሚሽን ጉምሩኽ ዝኸንናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.