Fana: At a Speed of Life!

ሎሚ ምሸት ኣብ ዝካየድ ውድድር ፍፃመ 10 ሺሕ ሜትሮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝበለፀ ውፅኢት ንከመዝግባ ትፅቢት ይግበር

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ምሸት ኣብ ሃንጋሪ ቡዳፔስት ኣብ ዝካየድ መበል 19  ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ውድድር ፍፃመ 10 ሺሕ ሜትሮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝበለፀ ውፅኢት ንከመዝግባ ትፅቢት ይግበር።

ኣብቲ ውድድር፥ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ፣  ጉዳፍ ፀጋይ፣ እጅጋየሁ ታዬን ለምለም ሃይሉን  ኢትዮጵያ ዝውክላ ኢየን።

እቲ ውድድር ሎሚ ምሸት ብኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ 3 ሰዓትን 55 ደቒቓን መክያድ ክጅምር ኢዩ።

ቀትሪ ሰዓት 6፡35 ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር 3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕቲዮ ኢትዮጵያ ብምውካል ዝተወዳደሩ  ኣትሌት ለሜቻ ግርማን ጌትነት ዋለን ንፍፃመ ሓሊፎም ኢዮም።

ብደቂ ኣኒስቲዮ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ምፅራይ ድማ ኢትዮጵያ ብምውካል  ዝተወዳደራ ኣትሌታት ሂሩት መሸሻ፣ ብርቄ ሓየሎምን ድርቤ ወልተጂን ናብ ፍርቂ ፍፃመ ምሕላፈን ይዝከር።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.