Fana: At a Speed of Life!

ሓላፊ ሎጂስቲክስን ዘፈር ፖለቲካን ሸኔ ዞባ ምብራቕ ጉጂ ገመዳ ዱጎ ኢዱ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ምብራቕ ጉጂ ሓላፊ ሎጂስቲክስን ዘፈር ፖለቲካን ሸኔ ዝነበረ ገመዳ ዱጎ ወይ እውን ብቕፅል ሽሙ ሎንግ ኢዱ ሂቡ።

ኣብ ዞባ ምብራቕ ጉጂን ከባቢኡን እናተንቀሳቐሰ ዝነበረ ጉጅለ ሸኔ ሰራዊት ምክልኻል እናወሰዶ ብዝርከብ ዝተዋደደ ወታደራዊ ስጉምቲ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ ኢዶም እናሃቡ ከምዝርከቡ ዋና ኣዛዚ ክፍለ ጦር ሌተናል ኮሎኔል ገብሬ ጋሞ ገሊፆም።

እቲ ሰራዊት ኣብ ሳባቦሩን ዳዋን ኣብ ዝበሃሉ ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ፀላኢ ብዝተወሰደ ስጉምቲ ልዑል ዓወት ከምዝተጎናፀፈ ተዛሪቦምት፡፡

ብርቱዕ ቅልፅም እቲ ሰራዊት ምፅዋር ዝኣበዮ እቲ ጉጅለ ዕጡቕ ሓላፊ ሎጂስቲክስን ዘፈር ፖለቲካን ሸኔ ዞባ ምብራቕ ጉጂ ገመዳ ዱጎ ወይ ድማ ብቕፅል ስሙ ሎንግ እናተብሃለ ዝፍለጥ ኣመራርሓ ንሰራዊት ምክልኻል ኢዱ ሂቡ።

ሰራዊት ምክልኻል ኣፀጋሚን ፈታኒን ኣብ ዝኾነ መልክዓ ምድሪ ግቡኡ ብብቕዓት ካብ ምውፅኡ ብተወሳኺ እኩይ ዕላማ እቲ ጉጅለ ብምብጥጣስን ንኣባላት ፀላኢ እፎይታ ብምኽላእ ኢዶም ክህቡ ብምግዳድ ኢዶም እናተገበረ ከምዝርከብ እውን ኣብሪሆም።

ንሰራዊት ምክልኻል ኢዱ ዝሃበን ኣብ ዞባ ጉጂ ሓላፊ ሎጂስቲክስን ዘፈር ፖለቲካን ሸኔ ዝነበረ ገመዳ ዱጎ÷ ምንም ዕላማ ኣብ ዘይብሉን ንህዝቢ ኣብ ዝጎድእን ተግባር ምስታፉ ረብሓ ዘይብሉ ከምዝኾነ ተዛሪቡ፡፡

ብዘይምንም ትርጉም ህዝቢ ምብዳል ከመዘየዋፅእ ብምእማን ንሰራዊት ምክልኻል ኢዱ ከምዝሃበ እውን ኣብሪሁ፡፡

ካብ 1987 ዓ.ም ጀሚሩ ናብቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ከምዝተፀምበረ ዝዛረብ እቲ ላዕለዋይ ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ÷ ንዝሓለፉ ብዙሓት ዓመታት ህዝቢ ኣብ ምስቓይን ብምዝራፍን ዝተዋፈረ ሸኔ ብሰራዊቲ ብዝተወሰደሉ ስጉምቲ እናተበታተነን ኣመራርሓ እውን ብሓሳብ እናተፈላለየ ከምዝርከብ ገሊፁ።

እቲ ጉጅለ ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝቢ ካብ ምዝራፍ ወፃእ ዝኾነ ዕላማ ስለዘይብሉ ኢዱ ከምዝሃበ ምግላፁ ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ዱራት ተበታቲኖም ዝርከቡ ተረፍመረፍ ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ንሰራዊት ምክልኻል ኢዶም ብመሃብ ናብ ሰላማዊ ህይወቶም ክምለሱ ከምዝግባእ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.