Fana: At a Speed of Life!

ሓበሬታታት ሳተላይት ብምጥቃም ስራሕቲ ምርምር ይስርሑ ኣለዉ – ኢንስቲትዩት ስፔስ ሳይንስን ጂኦ-ስፓሻልን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓበሬታታት ሳተላይት ብምጥቃም ስራሕቲ ምርምር እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ኢንስቲትዩት ስፔስ ሳይንስን ጂኦ-ስፓሻልን ገሊፁ።

ኣብ ዓውዲ ጂኦ-ስፓሻል ንትካላት ሓበሬታ ተበፃሒ ክገብር ኣብ ዘኽእል ኩነታት ምስ መዳርግቲ ኣካላት እቲ ኢንስቲትዩት ተዛቲዩ፡፡

ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ቤተልሄም ንጉሴ (ኢ/ር)÷ እቲ ኢንስቲትዩት ንሓሙሽተ ዓመታት ሓበሬታታት ሳተላይት ንምርካብ ምስ ሚኒስቴር ሃፍቲ ተፈጥሮ ቻይና ስምምዕነት ከምዝገበረ ገሊፆም፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይ ሰለስተ ሳትላይታት ሓበሬታታት ሙሉ ብሙሉእ ናብ ቋት ሓበሬታ እናኣተዉ ከምዝኾኑ ብምሕባር÷ እቲ ኢንስቲትዩት እዞም ሓሬታታት ብምጥቃም ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ምርምር እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

እቲ ኢንስቲትዩት ንካልኦት ትካላት ሓበሬታ ሳተላይት ተበፃሒ ብምግባር ስራሕቲ ምርምር ክጉልብቱን ስራሕቲ ልምዓት ንኽጠናኸሩ ብትኹረት እናሰርሀ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.