Fana: At a Speed of Life!

ሓደጋ ውሕጅ ንምንካይ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስ ትኹረት ክግበር ይግባእ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓደጋ ውሕጅ ብዘላቕነት ንምንካይ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስ ትኹረት ክግበር ከምዝግባእ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣተሓሳሲበቦም።

እቶም ምክትል ቀዳይ ሚነሲትር ብሓደጋ ውሕጅ ኣብ ዝተጎድኡ ከባቢታት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ከይፍጠሩ ጥንቃቐ ክግበር ከምዝግባእ እውን መምርሒ ሂቦም።

ቤት ምኽሪ ሃገራዊ መተሓባበሪ ብሄራዊ ድልዉነትን ምክልኻልን ሓደጋን ሎሚ መዓልቲ ዘተ ኣሳሊጡ።

ኣብቲ እዋን ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝወቅዕ ዘሎ ከቢድ ዝናብ ምኽንያት ሩባታትን ግድባትን ልዑል መጠን ዘለዎ ማይ ከምዝሓዙ ተገሊፁ።

ኣብ ተፋሰሳት ኣዋሽ፣ ኦሞን ኣባይን ዝነብሩ ዜጋታት ድማ ብምኽንያት እቲ ከቢድ ዝናብ ንሓደጋ ውሕጅ ዝተቓልዑ እንትኾኑ፥ ኣቐዲሞመ ብዝተገበረ ናይ ምክልኻል ስራሕ ክበፅ ዝነበረ ሓደጋ ምንካይ ተኻኢሉ ተባሂሉ።

ኣካቢ እቲ ቤት ምኽሪ ምክትል ቀዳማይ ሚኒትር ኣይተ ደመቀ መኮንን ብምኽንያት ለውጢ ኣየር ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ክፍጥር ከምዝኽእለ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ድማ እቲ ሓደጋ ንምክልኻ ብኸመይ ንከላኸሎ ዝብል ጉዳይ ቀንዲ ርእሰ ጉዳይ ክኽውን ይግባእ ኢሎም።

ብመንፅር እዚ ድማ ሓደጋ ውሕጅ ብዘላቕነት ንምክልኻል ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስ ልዑል ትኹረት ገይርካ ምስራሕ ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።

ጎድና ጎድኒ በቲ ሓደጋ ውሕጅ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ዝግበር ሓገዝ ኣብ ቀረባ እዋን ተላዒሉ ብዝነበረ ጎንፂ ንዝተፈናቐሉ ወገናት እውን ምጥያሽ ከምዝግባእ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.