Fana: At a Speed of Life!

ሓዱሽ ዓመት ኢትዮጵያውያን ዘጋጥሙዎም ፈተናታት ብሓድነት ዝሓልፉሉ ከምዝኸውን እምነትና ኢዩ – ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓዱሽ ዓመት ኢትዮጵያውያን ዘጋጥሙዎም ፈተናታት ብምሕላፍ ንሰላምን ልምዓትን ብሓድነት ዓመት ከምዝኸውን እምነት ከምዘለዎም ተቐማጥነቶም ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ገሊፆም።

እቶም ኣምባሳደራት ሓዱሽ ዓመት ኢትዮጵያ ምኽንያት ብምግባር ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም፡፡

ኣብ መልእኽቶም ድማ፥ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝቕፅል ሓዱሽ ዓመት ብዝተሓባበረ መንፈስ ሓድነታ ዝተሓለወ ጥንክርቲ ሃገር ንምቕጣል ዝሰርሑሉ ዓመት ከምዝኸውን እምነቶም ገሊፆም።

ኣምባሳደር ሩደሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ኢቭጌኒ ተርክሂን÷ ሓዱሽ ዓመት ንመላእ ኢትዮጵያውያን ዓመተ ሰላም፣ ጥዕና፣ ምዕባለ፣ ፍቕሪን ሓጎስን ንኽኸውን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።

ኢትዮጵያውያን ዘጋጠሙዎም ፈተናታት ብብቕዓት ናይ ምውፃእ ዓቕሚ ዘለዎም ህዝቢታት ከምዝኾኑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣምባሳደር ኢንዶኔዥያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣል ቡሲራ ባስኑር ብግደኦም÷ ሓዱሽ ዓመት ኢትዮጵያውያን ዘለዎም ፅቡቕ ምስሊን ክብሪን ዘፋልጡሉ ኣጋጣሚ ከምዝፈጥር ኣልዒሎም።

“ሓዱሽ ዓመት ኢትዮጵያ ኢትዮጵያውያን ኻዱስ ተስፋ ዝሰንቁሉ እዋን ኢዩ” ዝበሉ ድማ ኣምባሳደር ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ኒኮላ ብሬናን ኢዮም።

እቲ ዓመት ኢትዮጵያውያን ሰላምን ምርግጋእን ከምኡ እውን ሓድነቶም ብዝበለፀ ዘጠናኽሩሉ ንኽኸውን ዘለዎም ሰናይ ትምኒት ገሊፆም፡፡

ምክትል ሓላፊ ኤምባሲ ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ሄይኮ ኒትስሽኬ÷ ኣብ ሓዱሽ ዓመት ዝተማለአ ሰላምን ምርግጋእን ዝዓሰላ ኢትዮጵያን ምርኣይ ትምኒቶም ከምዝኾ ተዛሪቦም፡፡

ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ኢቶ ታካኮ÷ ሓዱሽ ዓመት ንመላእ ኢትዮጵያውያን ዓመት ሰላምን ምዕባለን ንኽኸውን ሰናይ ትምኒተን ገሊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.