Fana: At a Speed of Life!

ሓፀርቲ ናይ ወፃኢ ስፖርታዊ ዜናታት

ሓፀርቲ ናይ ወፃኢ ስፖርታዊ ዜናታት

  • ቼልሲ ድሕሪ 17 ዓመት ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ብፉልሃም 2 ን 1 ተሳዒራ፤ ናይ ትማሊ ምሸት ውፅኢት ስዒቡ ድማ ኣሰልጣኒ ግርሃም ፖተርስ ኣብ መፃብብ ኣቲዮም ይርከቡ፡፡
  • ኣብቲ ፀወታ ዝተሰለፈ ሓዱሽ ፈራሚ ዣኦ ፊሊክስ ኣብ ፈላማይ ፕሪሚየር ሊግ ፀወትኡ ይግበር እምበር ብዝፈፀሞ ጥፍኣት ኣብ መበል 58 ደቒቕ  ብቀይሕ ካርዲ ካብ ሜዳ ወፂኡ።
  • ክርስቲያኖ ሮናልዶ ኣብ ዝርዝር ተፃወትቲ ሕፁያ ብሉፃት ተፃወትቲ ፊፋ 2022 ከምዘይተኻተተ ተሓቢሩ፡፡
  • ሊዮኔል ሜሲን ክሊያን ምባፔን ሓዊሱ 14 ተፃወትቲ ኣብ ዝርከቡሉ ዝርዝር ሕፁያት ብሉፃት ተፃወትቲ ፊፋ ደቂ ተባዕትዮ 2022÷ ፖርቹጋላዊ ኢንተርናሽናል ክርስቲያኖ ሮናልዶ ኣይተኻተተን፡፡
  • ጋንታ ሰሜን ለንደን ኣርሰናል ዩክሬናዊውን ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ሚሃይሎ ሙድራይክ ንምፍራም ንጋንታ ሻካታር ዶኔስክ ሳልሳይ ዕላዊ ሕቶ ዝውውር ሕቶ ምቕራቡ ተሰሚዑ፡፡
  • ኣርሰናል ነቲ ተፃዋቲ ቅድሚት ዝኽፈል 70 ሚሊየን ዩሮን እናተረርኣየ ዝውሰኽ ብቁፅሪ ዘይፍለጥ ናይ ዝውውር ሒሳብን ምቕራቡ ጎል ዶት ኮም ፀብፂቡ፡፡
  • ፅባሕ ኣብ ፕረሚየር ሊግ ኣብ ደርቢ ማንቹሪያን ማንቸስተር ዩናይትድ ምስ ማንቼስተር ሲቲ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡
  • ትሽዓተ ሸቶታት ኣብ ዝተመዝገቡሉ ቀዳማይ ፀወታ ክልቲአን ጋንታታ ማንቼስተር ሲቲ ንማንቼስተር ዩናይትድ 6 ን 3 ብዝኾነ ውፅኢት ምስዓራ ይዝከር፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.