Fana: At a Speed of Life!

ሕብረተሰብ በዓል ልደት ንኸኽብር ንሃንደበታዊ ሓደጋ ካብ ዘቃልዑ ነገራት ክጥንቀቕ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ባርዕ ሓዊን ስግኣት ሓደጋን ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ታሕሳስ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረተሰብ በዓል ልደት ንኸኽብር ንሃንደበታዊ ሓደጋ ካብ ዘቃልዑ ነገራት ክጥንቀቕ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ባርዕ ሓዊን ስግኣት ሓደጋን ኣተሓሳሲቡ።

ብተኸተልቲ እምነት ክርስትና ብድምቀት ካብ ሞንጎ ዝኽበሩ በዓላት ሓደ ዝኾነ በዓል ልደት ዝቕፅል ቀዳም 29 ታሕሳስ ክኽበር ኢዩ።

ብምዃኑ እቲ በዓል ብፍላይ ንባርዕ ሓዊን ሃንደበታዊ ሓደጋን ዘቃልዑ ነገራት ሕብረተሰብ ጥንቃቐ ክገብር ከምዝግባእ እቲ ኮሚሽን ምትሕስሳቡ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ጉልላት ጌታነህ፥ ሕብረተሰብ በዓል ልደት እንተኽብር ንባርዕ ሓዊን ሃንደበታዊ ሓደጋን ክጥንቀቕ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ እዋን እቲ በዓል ሃንደበታዊ ሓደጋ እንተጋጥም ድማ ብቕልጡፍ ንምቁፅፃር ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ከምዝተዘርገሐ ተሓቢሩ፡፡

ባርዕ ሓዊን ሃንደበታዊ ሓደጋን እንተጋጥም ብናፃ መስመር ስልኪ 939 ፤ ብቐጥታ መስመራት ስልኪ 011 155 53 00 ወይ እውን 011 156 86 01 ምድዋል ከምዝከኣል መልእኽቲ ተመሓላሊፉ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.