Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ተምሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ልዕሊ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝፈፀሙዎ ተግባር ኮኒኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ተምሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ውሑዳት ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ልዕሊ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝፈፀሙዎ ዘይተገበአ ተግባር ኮኒኑ።

ብንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣሰራሩርሕኡ ንምዝማን ብዝገበሮ ምንቅስቓስ ብዝተፈጠረ ስሕተት ገንዘብ ልውውጥ÷ ውሑዳት ተምሃሮ ናይ ሓደ ሓደ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ከምዝተሳተፉ እቲ ሕብረት ገሊፁ፡፡

ፕሬዚዳንት እቲ ሕብረት ሚካኤል ያቦነሽ ምስ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ ፃንሒት÷ ኣብቲ ተግባር ዝተሳተፉ ተምሃሮ ብፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉን ዝኹነንን ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ላዕለዎት ትካልት ትምህርቲ መንግስቲ ልዕሊ 1 ነጥቢ 1 ሚሊየን ተምሃሮ ከምዘለዉ ብምሕባር÷ ዝተፈፀመ ተግባር ንኩሎም ዘይውክል ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ብዝነበረ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ብዘይፈጡዎ መገዲ ተሳተፍቲ ዝነበሩ ተምሃሮ ከምዝነበሩ ብምሕባር÷ ዝወሰዱዎ ገንዘብ ከምዝመለሱ ተዛሪቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.