Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ንመከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ዝውዕል ንኢትዮጵያ 25 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻ ትገብሮ ፃዕሪ ዝውዕል 25 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ምግባሩ ገሊፁ።

ኢትዮጵያ እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ብቐፃልነት ከምዝሕግዝ እውን ኣፍሊጡ።

ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ “#TeamEurope” ዝተብሃለ ኢኒሼቲቭ ከምዘጣየሻ ዝገለፀ እቲ ሕብረት፥ እቲ ኢኒሼቲቭ ድማ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረትን ምስቲ ሕብረት ርክብ ዘለወን ሃገራትን ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝውዕል 20 ቢሊየን ዩሮ ማዕቐፍ ሓገዝ ዕላዊ ገይሩ።

ንኢትዮጵያ ዝግበር ሓገዝ እውን በቲ ኢኒሼቲቭ ኣቢሉ ዝወሃብ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2020 ንዘፈር ጥዕና ኢትዮጵያ ዝውዕል 200 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ከምዝግበር ተገሊፁ።

ካብ ውሽጢ እዚ ድማ እቲ 25 ሚሊየን ዩሮ ኣብ ዘፈር ጥዕና ብፍላይ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ቅልጡፍ ምላሽ ንመሃብ ብዝብል ከምዝተለቐቐ ቢሮ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.