Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ሰብኣዊ ደገፍን ስራሕቲ ቅድመ መጠንቀቕታን ከምዘጠናኽር ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዐ ስዒቡ ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ሰብኣዊ ደገፍን ስራሕቲ ቅድመ መጠንቀቕታን ከምዘጠናኽር ገሊፁ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ኣምባሳደር ሽፈራው ተ/ማርያም ምስ ምክትል ዳይሬክተር ጄነራል ስራሕቲ ሰብኣዊ ሓገዝ እቲ ሕብረት ማይክል ኮህለር ተዛቲዮም።

ማይክል ኮህለር÷ ነቲ ስምምዕ ስዒቡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጎንፂ ንዝተጎድኡ ከባቢታት ዝገብሮ ዘሎ ዘይተገደበ ኣቕርቦት ሰብኣዊ ሓገዝ ንኢዶም።

ሕብረት ኣውሮፓ ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ሰብኣዊ ደገፍን ስራሕቲ ቅድመ መጠንቀቕታን ከምዘጠናኽር ምግላፆም ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን እቲ ኮሚሽን ደበበ ዘውዴ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ሓደጋታት ንምክልኻል ኣብ ዝግበሩ ስራሕቲ መጠንቀቕታ ስግኣት ሓደጋ ኣድላዪ ደገፍ ከምዝገብር ኣገንዚቦም።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.