Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ንዩክሬን 4 ነጥቢ 3 ቢሊየን ፓውንድ ወታደራዊ ድጋፍ ንምግባር ቃል ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ዩክሬን ኣቲያቶ ንእትርከብ ኲናት ሓገዝ ዝኸውን 4 ነጥቢ 3 ቢሊየን ፓውንድ ወታደራዊ ሓገዝ ንምግባር ቃል ከምዝኣተወ ገሊፁ፡፡

ላዕለዋይ ተወካሊ ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣውሮፓ ጆሴፕ ቦሬል÷ ሕዚ እውን 27ቲአን ሃገራት እቲ ሕብረት “ጨካንን ኢ-ሰብኣዊትን” ዝኾነት ሩሲያ ንምስዓር ቆራፅ ቅዋም ኣለወን ምባሎም ኢንዲፔንደንት ፀብፂቡ።

እቲ ሕብረት ነቲ ጉዳይ ኣጥቢቑ ዝሓዞን ስሩዕን ኣብ ዘይኮነ ኣኼባ ዘካየደ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ንዩክሬን ከፅድቖ ዝነበረ ወታደራዊ ሓገዝ ንደሓር ብምባሉ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ጆሴፕ ቦሬል÷ እቲ ሕብረት ትማሊ ኣብ ኪየቭ ዝገበሮ ትፅቢት ዘይተገበረሉ ኣኼባ ታሪኻዊ ኢሎምዎ፡፡

ይኹን እምበር እቲ ዞባ ዘለሉ ኩነታት ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ንዩክሬን ንምሕጋዝ ኣፀጋሚ ከምዝገበረሎም ተዛሪቦም፡፡

ዩክሬን እቲ ውግእ ምቹው ኣብ ዝነበረሉ እዋን መሓዙታ ክሪኡዎ ዝኽእሉ ዓወት ኣየርአየቶምን ተባሂሉ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዜሌንስኪ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ “ጥራሕ ንስኻትኩም ሓርኩምና ኩኑ እምበር ብርግፅ ዩክሬንን መላእ ዓለም እዚ ኲናት ክንስዕር ኢና” ኢሎም።

ጆሴፕ ቦሬል ብግደኦም÷ እቲ ሕብረት ሕዚ እውን ኣብ ጎኒ ዩክሬን ከምዝኾነን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2024 ዝልቀቕ 5 ቢሊየን ዩሮ (4 ነጥቢ 3 ቢሊየን ፓውንድ) ወታደራዊ ሓገዝ ከምዝግር ቃል ምእታዉ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዲሚትሮ ኩሌባ ብሓባር ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣረጋጊፆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.