Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝውገኑ ስራሕቲ ለውጢ ዝገብሮ ሓገዝ ከምዘጠናኽር ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝውገኑ ስራሕቲ ለውጢ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኮሚሽነር ዓለም ለኸ ምትሕብባር እቲ ሕብረት ጁታ ኡርፒላይነን ኣፍሊጠን።

ሚኒስትር ፕላንን ልማትን ፍጹም ኣሰፋ (ዶ/ር) ምስ ኮሚሽነር ዓለም ለኸ ምትሕብባር ሕብረት ኣውሮፓ ጁታ ኡርፒላይነን ተዛቲየን።

ፍጹም ኣሰፋ (ዶ/ር) ሕብረት ኣውሮፓ ንኢትዮጵያ ቁልፍ ስትራቴጂካዊ መሓዛ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ ክሳብ ሕዚ ንኢትዮጵያ ንዝገበሮ ምትሕብባር ኣመስጊነን።

ናይ ማእኸላይ ዘበን ትልሚ ኢንቨስትመንት ሰለስተ ዓመት ከምኡ እውን ሃገርበቆል ኢኮኖሚ ሪፎርም ኣመልኪተን እውን ገለፃ ገይረን፡፡፡

ኮሚሽነር ጁታ ኡርፒላይነን በግደአን÷ ሕብረት ኣውሮፖ ምስ ኢትዮጵያ ጋር ዝገብሮም ስራሕቲ ምትሕብባር ኣጠናኺ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፀን፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዑደተ ስራሕ እናገበራ ዝርከባ ኮሚሽነር ጁታ ኡርፒላይነን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት እቲ ሕብረት እውን ተዛቲየን፡፡

ኣብ ዘተአን ድማ÷ ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝገብሩዎም ስራሕቲ ጠሚተን ውፅኢታዊ ልዝብ ከምዝገበራ ኣብ ማህበራዊ ምትእስሳር ገፀን ፅሒፈን፡፡

ሕብረት ኣውሮፓን ኢትዮጵያን ዘለዎም ስትራቴጂያዊ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ብምውዳድ ከምዝስራሕ እውን ተዛሪበን፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.