Fana: At a Speed of Life!

መለወጢ ዘመን ብሄረሰብ ወላይታ በዓል “ጊፋታ” ብድምቀት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መብሰሪ ሓድነት፣ ሰላምን ሕብረትን ዝኾነ መለወጢ ዘመን ብሄረሰብ ወላይታ በዓል “ጊፋታ” ኣብ ወላይታ ሶዶ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ፡፡

ኣብ ወላይታ ካብ ኣረጊት ናብ ሓዱሽ ዘመን መሰጋገሪ ብስራት ተገይሩ ዝውሰድ በዓል ጊፍታ÷ መርሃ  ግብሪ መዛዘሚ ኣብ ስታዲየም ወላይታ ሶዶ ኣብ ምኽባር ይርከብ፡፡

ኣብቲ በዓል ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎ ህዝቢ ዝተረኸበ እንትኸውን፥ እቶም ዕዱማት መግለፂ እቲ በዓል ብዝኾኑ ክዳውንቲ ደሚቖም ብሓባር እናኽበርዎ ይርከቡ፡፡

እቲ በዓል ናብ ሓድሽ ዘመን መሰጋገሪ፣ መብሰሪ ሰላምን ሓድነትን ተገይሩ ብተወላዶ እቲ ብሄረሰብ ይእመን፡፡

ኣብቲ በዓል ሚኒስተራት፣ ብርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ዝምራሕ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ፣ ዝተፈላለዩ ብሄር ብሄረሰባት፣ ተወከልቲን ተሳቲፎም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.