Fana: At a Speed of Life!

መራኸብቲ ሓፋሽ ሃይማኖት ሓበራዊ ክብሪ ንኽጠናኸርን ሓድነት ንኽድንፍዕን ዝፃወተኦ ግደ ዕዙዝ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካላት መራኸብቲ ሓፋሽ ሃይማኖት ሓበራዊ ክብሪ ንኽጠናኸርን ሓድነት ንኽድንፍዕን ዝፃወተኦ ግደ ዕዙዝ ከምዝኾነ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ገሊፁ።

በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ምሽ ጉባኤ ትካላት ሃየማኖት ብምትሕብባር “መራኸብቲ ሓፋሽ ሃይማኖት ንምጥንኻር ሓድነትን ምትሕብባርን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ዘተ የሳልጥ ኣሎ፡፡

ዕላማ እቲ መድረኽ ዘተ፥ መራኸብቲ ሓፋሽ ሃይማኖት ዝፍንዉዎም መደባት ኣብ ኢትዮጵያ ተኸቢሩ ዝፀንሐ ምክእኣልን ምትሕብባርን ሃይማኖትንምጥንኻር ከምኡ እውን ኣብ ህንፀት እሴት ሰላም ግቡእ ግደ ንኽፃወታ ንምኽል ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል ስልጣን ኣይተ መሓመድ እድሪስ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ከምዝገለፁዎ፥ መራኸብቲ ሓፋሽ ሃይማኖት ስነ ምግባር ብምምሃር ወለዶ ካብ ምህናፅ ብተወሳኺ ሓበራዊ ክብሪታት ክጠናኸሩ፣ ምትሕብባርን ሕውነትን ንኽድንፍዕ ዝፃወቱዎ ግደ ዕዙዝ ኢዩ፡፡

እተን መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ኣስተምህሮአን ንፀገማት መፍትሒ ዘምፅኡ፣ ሃገርን ፅቡቕ ዜጋን ኣብዝሃንፁ ዛዕባታት ከድህባ ከምዝግባእ ምሕባሮም ካብቲ በዓል መዚ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.