Fana: At a Speed of Life!

መራኸብቲ ማዕኸናት ደንቢ ስነ-ምግባር ጋዜጠኝነት ብምኽባር ጎንፂ ንከይፍጠር ሞያዊ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ መራኸቢ ሓፋሽ ኢትዮጵያ መራኸብቲ ማዕኸናት ደንቢ ስነ-ምግባር ጋዜጠኝነት ብምኽባር ጎንፂ ንከይፍጠር ሞያዊ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ይግባእ ኢሉ፡፡

እቲ ቤት ቤት ምኽሪ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ብቕንፀላ ኣይቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተሰመዖ ዓሙይቕ ሓዘን ብምግላፅ ንቤተሰቡ፣ ደገፍቱን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ምፅንዕናዕ ተመኒዩ።

ድሕሪ ቅንፀላ ዝወፁ ፀብፃብ ሚድያታት፣ሪኢቶታት፣ሓሳባት ወይ እውን ሓቅታት ብግቡእ ኩነታት ድሕሪ ምርግጋፆም ክቐርቡ ኣለዎም ክብል እውን ኣተሓሳሲቡ፡፡

ትኹረቶም ኣብ ስነ-ምግባር ጋዜጠኝነትን ክልከላታት ሕግን ዘማእኸለ ኮይኑ ርክብ ህዝብታት፣ ሕውነትን ሰላምን ከንግስ ብዝኽእል መልክዑ ክኸውን ይግባእ ክብል ገሊፁ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝላኣኾ መግለፂ፥ ብፍላይ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ጎንፂ ክፈጥሩ ዝኽእሉ ፎቶ ግራፋትን ምስልታትን ካብ ምሕታም ወይ ምዝርጋሕ ክዕቀቡ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.