Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ ምፍናው ናብ ቀጠና “ግዳጅ” ዘምርሑ ተወሳኺ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ደቡብ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ ምፍናው ናብ ቀጠና “ግዳጅ” ዘምርሑ ተወሳኺ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ደቡብ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ተኻይዱ።

ኣሸባሪ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሃገር ዘንፀላለዎ ሓደጋ ብንምምካት ኢትዮጵያውያን ብሓባር ይሰርሑ ኣለዉ።

ብመሰረት እዚ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ደቡብ ሃገራዊ ፃውዒት ብምቕባል ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምስላፍ ናብቲ ቃልሲ ብምሕዋስ ኣረጋጊፁ።

ስለዝኾነ ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዕሊ 300 ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ግዴተኦም ዝዋፅኡ ዘለዉ እንትኾኑ፥ ሎሚ መዓልቲ ድማ መርሃ ግብሪ ምፍናው ናብ ቀጠና “ግዳጅ” ዘምርሑ ተወሳኺ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ደቡብ ኣብ ከተማ ሃወሳ ተኻይዱ።

እቲ መርሃ ግብሪ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ እርስቱ ይርዳውን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ኣብ ዝተረከብሉ ኢዩ ከምዝተኻየደ ካብ ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መነግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.