Fana: At a Speed of Life!

መሳሒ ኲናት ዘለዎ ዝኾነ ይኹን ትካል ወይ እውን ውልቀ ሰብ ናይ ምምዝጋብ ግቡእ ኣለዎ – ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መሳሒ ኲናት ዘለዎ ዝኾነ ይኹን ትካል ወይ እውን ውልቀ ሰብ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ዓማውቲ ናይ ምምዝጋብ ግቡእ ከምዘለዎለዎ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ኣፍሊጡ።

መሳርሒታት ኲናት ናይ መሓዝ፣ ምግዛእን ምሻጥን ስርዓት ብአፍልጦ መንግስቲ ጥራሕ ንኽኸውን ዘገድድ ኣዋጅ ኣብ ስራሕ ውዒሉ።

ላዕለዋይ ዓቃቢት ሕጊ ፌዴራል ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበረኦ ፃንሒት ከምዝገለፀኦ፥ እቲ ኣዋጅ ኣብ ዝውውርን ምሕደራን መሳርሒታት ኲናት ዝነበረ ክፍተት ዝመልእ ኢዩ።

ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ዓማውቲ፥ ብመንግስቲ ሓላፍነት ዝተውሃቦም ኣካላት እቲ ኣዋጅ ንኸተግብሩን መሳሒ ኲናት ዘለዎም ትካላት ይኹኑ ውልቀ ሰባት ምዝባ ናይ ምክያድ ግቡእ ከምዘለዎምን እውን ገሊፀን።

መሳርሒታት ኲናት ዝሓዘን ዘመዝገበን ኩሉ ንኽሕዝ ከምዘይፍቀድ ዝገለፃ ወይዘሮ ኣዳነች፥ ፈቓድ ዝወሃቦ ትካል ወይ ድማ ውልቀሰብ ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ሕጋዊ ዝገብሩ መለክዒታት ኣማሊኡ ክርከብ ከምዝግበኦ ኣብሪሀን።

ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ መሳርሒታት ኲናት ናይ ምሻጥን ምዝውዋርን ሕጋዊ ኣፍልጦ ዝተውሃቦ ኣካል ብዘይምንባሩ ሕጊን ስርዓትን ዘይተኸተለ ዝውውርን ዕደድጊትን ከምዝነበረ እውን ኣብሪሀን።

ይኹን እምበር ነቲ መሳርሒ ዝገዝኦ ኣካልመለክዒ ምዝገባ እንተ ኣማሊኡን ገበን ዘይተፈፀመሉ ምዃኑ እንተተረጋጊፁን ኣመዝጊቡ ክሕዝ ይፍቀደሉ ከምዝነበረ ኣዘኻኺረን።

በዓዋጁ መሠረት ለጦር መሣሪያ የሚሰጠው ፈቃድ በየዓመቱ ይታደሳል፤ ባለ ፈቃዱም በየዓመቱ ክፍያ ይፈጽማል።

እቲ ሕዚ ኣብ ተግባር ዝወዓለ ኣዋጅ፥ ነቲ ዝነበረ ኣሰራርሓ ሙሉእ ብሙሉእ ዝቕይር ከምዝኾነን ዕድጊትን ዝውውርን መሳርሒታት ኲናት ዝቆፃፀር ብመንግስቲ ኣፍልጦ ዝተውሃቦ ኣካል ከምዝህሉን እተን ዓቃቢት ሕጊ ኣፍሊጠን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.