Fana: At a Speed of Life!

መቐለ 70 እንደርታ ብፋሲል ከነማ ተረቲዓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ሓደ ፀወታ መበል 13 ሰሙን ፕሪሚየር-ሊግ ኢትዮጵያ መቐለ 70 እንደርታ ብፋሲል ከነማ ተረቲዓ።

ኣብ ዓለም ለኸ ስታዲየም ትግራይ ዝተኻየደ እቲ ፀወታ ጋንታ ሙጂብ ቃሲም ኣብ ልዕሊ መቐለ 70 እንደርታ ብዘቑፀረን ክልተ ሸቶታት፥ ፋሲል ከነማ ክልተ ንባዶ ብምስዓር መሪሕ እቲ ሊግ ክትከውን ክኢላ ኣላ።

ብተመሳሳሊ ሙጂብ ቃሲም ኣብ ፕሪሚየርሊግ ኢትዮጵያ ዘቑፀረን በዝሒ ሸቶታት 13 ብምብፃሕ መሪሕነቱ ከጠናኽር ክኢሉ።

መበል 13 ሰሙን ፕሪሚየርሊግ ኢትዮጵያ ፅባሕ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልልን ከተማ ኣዲስ ኣበባን ክካየድ ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.