Fana: At a Speed of Life!

መበል 21 ዓለም ለኸ ጉባኤ መፅናዕቲ ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 21 ዓለም ለኸ ጉባኤ መፅናዕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ኣፍቲ ጉባኤ÷ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፣ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ሬሚ ማሪሾን ፕሬዚዳንት ሬሚ ማሪሾ ፕሮፌሰር ጣሰው ወልደሃናን ሓዊሱ ካልኦት ሙሁራት፣ ተምሃሮን ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም፡፡

ንኣርባዕተ ተኸታተልቲ መዓልቲታት ዝካየድ እቲ ጉባኤ÷ “መፅናዕቲ ኢትዮጵያ ዓለም ለኻዊን ብሄራዊ ዓውዲን፣ ማሕለኻታትን” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ።

ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየዱ መፅናዕቲታት ዝምልከት ብዝተፈላለዩ ሙሁራን ፅሑፍ ቀሪቡ ምይይጥ ምስተገበረ ቀፃሊ ኣንፈት ክቕመጥ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም http://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.