Fana: At a Speed of Life!

መበል 79 ዓመት በዓል ዓወት ሃርበኛታት ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መበል 79 ዓመት በዓል ዓወት ሃርበኛታት ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ተኸቢሩ።

እቲ በዓል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ላዕለዎት ሰብ መዚ ምምሕዳር እታ ከተማን ተወከልቲ ሃርበኛታት ኣቦታትን ኣብ ዝተረኸብሉ ዝተኸበረ እንትኸውን፥ ከባቢ ኣራት ኪሎ ኣብ ዝርከብ ሓውልቲ ዓወት  ሕቑፊ ዕምበባ ኣምቢሮም።

ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ እቲ በዓል ኣመልኪተን ኣብ ዘሕለፍኡ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም፥ ብምኽኒያት ቫይረስኮሮና ኣብ ሓውልቲ ሃርበኛታት ተኣኪብና እቲ በዓል ምኽባር እኳ እንተዘይከኣልና ታሪኽ እቶም ጀጋኑ ሃርበኛታት ብመንፈስ ኣድሚቕናዮ ከምእንውዕል እምነተይ ኢዩ ኢለን።

መንፈስ ዓወት ዓድዋን ሃርበኛታትን እናተሓደሰ ዝነብር ህያው መንፈስ ክንገብሮ ኣለና ዝበላ እተን ፕሬዚዳንት፥ ንዘላቒ ረብሓ ኢትዮጵያ ክውዕል ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲበን።

“ኣብ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ ዘርኣናዮ ሓድነት ኣብ ካልኦት ተግባራትና እውን እናሽረፍና፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣጋጢሙና ዘሎ ፈተና ንምስዓር ክንጥቀመሉ ኣለና” ክብላ መልእኽተን ኣተሓላሊፈን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.