Fana: At a Speed of Life!

መበል 83 ዓመት መዓልቲ ሰማእታት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 83 ዓመት መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣደባባይ ሓወልቲ ሰማእታት ይኽበር ኣሎ።

እቲ በዓል፥ ሓርበኛታት ኣቦታትን ኣዴታትን ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተረኸቡሉ ኢዩ እናተኸበረ ዝርከብ።

ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ማርሽ ባንድ ፖሊስ ፌዴራልን እውን ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ዝዝተፈላለዩ ጣዕመ ዜማታት ኣስሚዖም።

መዓልቲ ሰማእታት፥ ብ1929 ዓ.ም ሮዶልፎ ግራዚያኒ ብግፍዒ ዝተጨፍጨፉ ልዕሊ 30 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ዝዝከሩሉ ዕለት ኢዩ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.