Fana: At a Speed of Life!

መንግሰቲ ኣብ ከተማ ጎንደር ዝተፈጠረ ክስተት ስዒቡ ናይ ጎንፂ ነጋዶ ካብ ተግባሮም ንኽዕቀቡ ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ዝተፈጠረን ናብ ካልኦት ከባቢታት ንኽስፋሕፋሕ እናተሰርሐ ዘሎ ዘሕፍር ተግባር ብክርስትና ይኹን እስልምና ሃይማኖታት ተቐባልነት ዘይብሉ ከምዝኾነ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር እቲ ኣገልግሎት ዶክተር ለገሰ ቱሉ ኣብ እዋናዊ ጉዳያ ኣድሂቦ መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂም ድማ መንግስቲ መበገሲ እቲ ጎንፂ ዝኾነ ይኹን እቲ ተግባር ዝኹነንን ተቐበሳልነት ዘይብሉን ዘሕፍር ተግባር ኢዩ ኢሉ ከምዝኣምን ተዛሪቦም።

ህዝቢ ናይ ጎንፂ ነጋዶ ዘትርፉ ሓደ ምስቲ ሓደ ብምግጫው ከምዝኾነ ብምርዳእ ጎንፂ ካብ ዘበኣእሱ ተግባራት ንኽቑጠብ ፀዊዖም።

መንግስቲ ጎንፂ ንምስፍሕፋሕ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ከምዘይዕገስ እውን ኣገንዚቦም።

ብዝበፅሐ ጉድኣት ኢዶም ኣለዎ ብዙሓት ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ እውን ኣብሪሆም።

ብበርናባስ ተስፋዬ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.