Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይዝኾነ ይኹን ገደብ ናብ ክልል ትግራይ ንኸኣቱ ይገብር ኣሎ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይዝኾነ ይኹን ገደብ ናብ ክልል ትግራይ ንኸኣቱ እናገበረ ምዃኑ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ብመንግስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ሰላም ናይ ምዕሳል ውሳነ ካብ ዘመሓላለፈሉ ዕለት ጀሚሩ 146 ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና ተሽከርከርቲ ን 9 ነዳዲ ዝፀዓና ቦቴታትን ናብ ትግራይ ከምዝኣተዋ ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም፡፡

ኣምባሳደር ዲና ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይዝኾነ ይኹን ገደብ ንኽበፅሑ እናተሰርሐ ይኹን እምበር ህወሓት ፀገም ካብ ምፍጣር ከምዘይተቖጠበ ተዛሪቦም።

ኢድ ለገስቲ ሃገራት ምሕፃርን ኣብ ውሽጢ ሃገር ቁፅሪ ተሓገዝቲ ምውሳኽን ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ፀገም እናተፈጠረ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ህወሓት ካብ ኣርቢቲ፣ በርሃሌን ኣብዓላን ወፃእ ካብ ካልኦት ብወራር ዝሓዞም ከባቢታት ዓፋር ከምዘይወፅአን ሕዚ እውን ኣብ ሓደሓደ ቀበሌታት ክልል ኣምሓራ ሒዙ ከምዝርከብ ኣብ መግለፂኦም ኣመልኪቶም።

ዓለም ለኸ ማሕረሰብ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽገብርን ህወሓት ብሓይሊ ካብ ዝሓዞም ከባቢታት ለቒቑ ንኽወፅእን ድፍኢት ንኽገብር ሓቲቶም፡፡

ህወሓት ኣብዚ እዋን መጥቃዕቲ ክፍፅም ከምዝኽል እውን ፈኸራ ዝመስል መልእኽቲ እናመሓላለፈ ከምዝርከብ ኣምባሳደር ዲና ኣመልኪቶም።

ኣምባሳደር ደና ኣብ መግለፂኦም፤ ልዕሊ 15 ሺሕን 300 ዜጋታት ከምዝተመለሱ ብምሕባር፥ “መርሃ ግብሪ ካብ ዒድ ክሳብ ዒድ ናብ ሃገር ዳያስፖራ ዘመድ ንኽጥይቕ፣ ባህላዊን ታሪኻዊን መስሕባት ኢትዮጵያ ንኸፋልጥን ንልምዓትን ሰላምን ሃገር ግድኡ ክዋፃእ ዘኽእል ኢዩ” ኢሎም፡፡

ብወንድወሰን ኣረጋሀኝን ይስማው ኣደራውን

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.