Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ጫፍ ንኽበፅሕ ብሙሉእ ቆራፅነት እናሰርሐ ይርከብ – ዶክተር ለገሰ ቱሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ጫፍ ንኽበፅሕ ብሙሉእ ቆራፅነት እናሰርሐ ምዃኑ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ገሊፆም።

ዶክተር ለገሰ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ ብመሰረት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ሰራዊት ምክልኻል ካብ ዕጡቓት ህወሓት ከበድቲ መሳርሒታት ምርካብ ከምዝጀመረ ኣብሪሆም።

እዚ ድማ እቲ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ባይታ ምትግባር ከምዝጀመረ ዘመላኽት ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ጫፍ ንኽበፅሕ ብሙሉእ ቆራፅነት እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን ዶክተር ለገሰ ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.