Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ን3 ነጥቢ 1 ሚሊየን ዜጋታት ሓገዝ ምክፍፋሉ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ክሳበ ሕዚ ን3 ነጥቢ 1 ሚሊየን ዜጋታት ሓገዝ ምክፍፋሉ ኣፍሊጡ።

ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቱ መግለፂ ኣውፂኡ፡፡

ኣብ መግለፂኡ ድማ ኣብቲ ክልል ካብ ውሽጢ ዝርከባ ወረዳታት ኣብተን 34 ወረዳታት ሰብኣዊ ሓገዝ ምቕራቡ ብምፅራሕ ክሳብ ሕዚ 3 ነጥቢ 1 ሚሊየን ዜጋታት ተረባሕቲ ኮይኖም ኢሉ፡፡

ካብ ዝቐረበ ሰብኣዊ ሓገዝ እቲ 70 ሚኢታዊ ብመንግስቲ ዝተሸፈነ እንትኸውን፥ 30 ሚኢታዊ ድማ ዓለም ለኸ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ከምዝሸፈኑዎ ተገሊፁ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ብዓለም ለኸ ለገስቲ ትካላት ኣቢሉ ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ኣቑሑት ሓገዝ እናቐረበ እንትኸውን፥ ነዚ ድማ ዓለም ለኸ ብርኪ ዘማልኡ 10 ጣቢያታት ተጣይሾም ኢዮም ተባሂሉ፡፡

እቲ እናተገበረ ዝርከብ ፃዕሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣጋር ሃገራትን ኤጀንሲታትን ሓዊሱ ሰብሞያታት እቲ ዓውዲ ብዝገበሩዎ ናይ ሓባር መፅናዕቲ ተመስሪቱ ከምዝኾነ ኢዩ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣፍሊጡ ዘሎ፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ክሳብ ሕዚ 135 ዝኾኑ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ዝተፈላለያ ሃገራትን ፍቓድ ወሲዶም እናተንቀሳቐሱ ይርከቡ ኢሉ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ዝተጣየሸ መተሓባበሪ ኮሚቴ ህፁፅ እዋን ብምዃን 29 ዓለም ለኸ ትካላት እናተንቀሳቐሱ ከምዝርከቡ እውን ኣብሪሁ፡፡

መራኸብቲ ሓፋሽ ብዝምልከት ን7 ዓለም ለኸ ሚዲያታት ማለት እውን ኤ ኤፍ ፒ፣ ኣልጀዚራ፣ ኒውዮርክ ታይምስ፣ ፍራንስ 24፣ ሬውተርስ፣ ቢቢሲን ፋይናንሺያል ታይምስን ኣብቲ ክልል ንኽንቀሳቐሱ ፍቓድ ከምዝተውሃበ ኣፍሊጡ፡፡

መንግስቲ ክልል ትግራይ ብዝምልከት ሕቡእ ልኡክቶ ዝተሓንገጡን ዝተፈለየ ፖለቲካዊ ድሌትን ብዘለዎም ሓይሊታት ዝፍኖ ሓበሬታ ከምዘተሓሳሰቦ እውን ኣብቲ መግለፂ ተላዒሉ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.