Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገር ኢዶም አእቲዮም ዝበሎም ዜጋታት ወፃኢ ኣብ 72 ሰዓታት ካብ ሃገር ንኽወፅኡ ኣዚዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤት ፅሕፈት ዓለምለኸ ትካል ለኸ መድሕን ህፃናት (ዩኒሴፍ) እናሰርሑ ዝነበሩን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዶም ብምእታው ዘይሕጋዊ ስራሕ እናሰርሑ ዝተረኸቡ ዜጋታት ወፃኢ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብ ሃገር ንኽወፅኡ ከምዝተኣዘዘ ሚኒስቴር ጌዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ካብ ተወከልቲ ዩኒሴፍ ብተወሳኺ ካብ ሃገር ንኽወፅኡ ዝተወሰነሎም ውንቀ ሰባት፥ መተሓባበረ ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ ኣገልግሎትን ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ጉዳያትን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ብርኪ ሓላፍነት ዘለዉ ከምዝኾኑ እቲ ሚኒስቴር ኣብሪሁ፡፡

ካብ ሃገር ንኽፅኡ ካብ ሞንጎ ዝተኣዘዙ 7 ዜጋታት ወፃኢ፥ ተወካሊት ዩኒሴፍ ኣብ ኢትዮጵያ ሚስ ኣደል ኮድር ይርከበኦም፡፡

እቲ ሚኒስትር ናብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ ምስቲ ትካል ዘሎ ርክብ ከም ብሓዱሽ ንምፅናዕ ከምዝግደድ እውን ኣገንዚቡ፡፡

ካብ ሚስ ኣደል ኮድር ብተወሳኺ ካብ ሃገር ንኽወፅኡ ዝተወሰነሎም ዜጋታት፥ ኣብቲ ትካል ተጠባባቒት ምክትል መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ ጉዳያት ዝኾና ሚስ ጋዳ ኢል ታሂር ሙዳዊን ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ኣገልግሎትን ቀዋሚት ተፀዋዒት መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ሰላምን ልምዓትን ዝኾኑ ሚስተር ኪዌሲ ሳንስክሎቴን ይርከቡዎም።

ምክትል ዋና ሓላፊ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ሰብ ኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሚስተር ሳኢድ ሞሐሙድ ሔርሲን ምክትል መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ ኣገልግሎት ኣብ ኢትዮጵያ ሚስተር ግራንት ሊቴን እውን ካብ ሃገር ንኽወፅኡ ትዝኣዛዝ ካብ ሞንጎ ዝተውሃቦም ዜጋታት ወፃኢ ይርከቡዎም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.