Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ጀርመን ኣብ ዓውዲ ትምህርቲን ስልጠናን ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣  21 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ጀርመን ኣብ ዓውዲ ትምህርቲን ስልጠናን ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ትምህርቲ ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያ ምስ ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ስቴፈን ኣውር ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምድሃብ ተዛቲዮም።

እቶም መራሕቲ ብፍላይ ኣብ ፍኖተ ካርታ ትምህርቲ ዝተቐመጠ ምስንዳእን ምትግባርን ስርዓተ ትምህርቲ ቴክኒክን ሙያን ትምህርቲን ስልጠናን ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ስራሕቲ ደገፍ ብዝምልከት ልዝብ ከምዝገበሩ ተገሊፁ።

እቶም ኣምባሳደር፥ መንግስቲ ጀርመን ኣብ ዓውዲ ትምህርቲን ስልጠናን ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ዝነበረ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተዛሪቦም።

ምስ ሚኒስቴር ትምህርቲ ተቐራሪቦም ንምስራሕ ድሉዊ ከምዝኾኑ እውን ኣረጋጊፆም።

ሚኒስትር ትምህርቲ ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ካብ ጀርመን ብዙሕ ደገፍን ልምዲን ከምእትጠልብ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.