Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ 8 ፋብሪካታት ሽኮር ናብ ጨረታ ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ 8 ፋብሪካታት ሽኮር ናብ ጨረታ ኣቕሪቡ።

ኢንተርፕራይዛት ሽኮር ናብ ውልቀ ንምዝዋር ኣብ ዝወፅአ ጨረታ ሰብ ሃፍቲ ንክሳተፉ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

መንግስቲ ዓውዲ ውልቀ ኣብ ኢኮኖሚ ዘለዎ ተሳትፎ ክብ ንምባል  ዓሊሙ ዝተፈላለዩ መመሓየሺታት ብምግባር ናብ ስራሕ ምእታዉ ይዝከር።

ስለዝኾነ ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ፋብሪካታት ሽኮር ናብ ዓውዲ ውልቀ ንምዝውዋር ኣብ ዝወፅአ ጨረታ ንክሳተፉ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።

ፋብሪካታት ሽኮር ኦሞ ኩራዝ 1፣ ኦሞ ኩራዝ 2፣ ኦሞ ኩራዝ 3 ፣ ኦሞ ኩራዝ 5፣ አርጆ ደዴሳ፣ ከሰም፣ ጣና በለስን ተንዳሆን ናብ ጨረታ ከምዝቐረቡ ድማ ሓቢሩ።

እቲ ጨረታ ተወዳዳሪነትን ፍሪያት ሽኮርን ብምዕባይ ድልየት ውሽጢ ዓዲ ንምምላእ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

እዚ ድማ ኢትዮጵያ ንዕድጊት ሽኮር እተውፅኦ ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ምትራፍ ልዑል ግደ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.