Fana: At a Speed of Life!

መዕፀዊ ስነ-ስርዓት ኤክስፖ ሰበኽ ሳግም ምብራቕ ኣፍሪካ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)“ሰበኽ ሳግም ህብረ ቀለም ምብራቕ ኣፍሪካ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ዝፀንሐ ኤክስፖ ሰበኽ ሳግም ምብራቕ ኣፍሪካ ሎሚ ክዛዘም ኢዩ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት መዕፀዊ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ቀጀላ መርዳሳ፣ ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓን ተረኺቦም።

ብምትሕብባር በዓል መዚ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ብሚኒስቴር መስኖን ቆላማ ከባቢን ዝተሰናደአ ፈላማይ ዞባዊ ኤክስፖ÷ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ኢጋድ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልልን ፌደራልን ሓዊሱ ልዕሊ 20 ሺሕ በፃሕቲ ብምርካብ ዑደት ገይሮም ኢዮም።

ኣብቲ ኤክስፖ መሓዙት ኣካላት እውን ኩነታት መነባብሮ ሰበኽ ሳግም ንምምሕያሽ ዝሕግዙ ውፅኢታ ቴክኖሎጂ ከምዝተፋለጡ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ 7 መዓልቲታት ፀገማት ሰበኽ ሳግም ዝተለዓለሉ፣ መፍትሒን ኣንፈት ዝተቐመጠሉ ከምኡ እውን ልዕሊ 200 መዳርግቲ ኣካላት ዝተሳተፉሉ ፓናል ዘተ እናተኻየደ ከምዝፀንሐ ተሓቢሩ።

ብማርታ ጌታቸውን ምንተስኖት ሙሉጌታን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.