Fana: At a Speed of Life!

መዛዘሚ መርሃ ግብሪ መበል 16 ናይ ኣፍሪካ መናእሰይ ወርሒ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መዛዘሚ መርሃ ግብሪ መበል 16 ናይ ኣፍሪካ መናእሰይ ወርሒ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መርሃ ግብሪ÷ “ንቑሕ ተሳትፎ መናእሰይ ንልምዓት ስብእና” ብዝብል መሪሕ ቃል ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት እናተኸበረ ፀኒሑ፡፡

ኣብቲ ፕሮግራም መዕወኒ ሓሽሽ ኣብ ስብእና መናእሰይ ዘስዕቦ ፅዕንቶ ዝምልከት ጠቐምቲ ሓበሬታታት እናተመሓላለፉ ከምዝነሩ ተገሊፁ፡፡

መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ድማ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ብድሙቕ ስነ-ስርዓት እናተኸበረ ይርከብ፡፡

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ሚኒትር ደቂ ኣንስርዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ፣ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ኣይተ ሃርቢ ቡህ፣ ሚኒስትር ዲኤታታትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ከምዝተረኸቡ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.