Fana: At a Speed of Life!

መድረኽ ዘተ ዓብዪ ኮሚቴ ብሄራዊ መተሓባበሪ ፎረም ከተማታት ኣፍሪካ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2016 (አ6ፍ ቢ ሲ)መድረኽ ዘተ ዓብዪ ኮሚቴ ብሄራዊ መተሓባበሪ ፎረም ከተማታት ኣፍሪካ ከምዝተሳለጠ መክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ዘላቒ ኢኮኖሚያዊ ክታመ ንትራንስፎርሜሽን ኣፍሪካ-ኣጀንዳ 2063” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እቲ ፎረም መስከረም 2017 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ሎሚ መዓልቲ መኽፈቲን መጨበጢ ግንዛበን እቲ ፎሮም ዝጠመተ መድረኽ ዘተ  ዓብዪ ኮሚቴ ብሄራዊ መተሓባበሪ ፎረም ከተማታት ኣፍሪካ ከመዝተሳለጠ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ከም ሃገር ታሪካዊ፣ ናይ ሕቡራት መንግስታትን ትካል ሓድነት ኣፍሪካን(ናይ ሎሚ ሕብረት ኣፍሪካ) መስራቲት ሃገር ምዃና ኣዘኻኺሮም።

ስለዝኾነ እቲ ልዕሊ 1 ሺሕን 500 ዝሳተፍሉ መድረኽ ንምድላው ዝተውሃባ ሓላፍነት ንምውፃእ ድልውቲ ከምዝኾነት ኣብቲ መድረኽ ተረዳዲእና ኣለና ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.