Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየራት ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ልዕሊ 29 ቢሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝስእኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ማሕበር ትራንስፖርትኣየር መገዲ ኣየራት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2020 ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና 29 ነጥቢ 3 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ክስእኑ ከምዝኽእሉ ኣገንዚቡ።

እቲ ማበሕር ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ንፈለማ ግዘ ድሌት ትራንስፖርት ኣየር ክንኪ ከምዝኽእል እውን ትምበይኡ ኣንቢሩ።

ኣብ ሃገራት ፓስፊክ እስያ ዝርከቡ መገዲ ኣየራት ተጎዳእቲ ክኾኑ ኢዮም ዝበለ እቲ ማሕበር፥ ናይዚ ቀነዲ ምኽንያት ድማ ቫይረስ ኮሮና ዝፈጠሮ ስግኣት ስዒቡ እተን ሃገራት ዝገብረኦ በረራ ብምቕናሰን ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ሃገራት ፓስፊክ እስያ ዝርከቡ መገዲ ኣየራት 27 ነጥቢ 8 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ክስእኑ ከምዝኽእሉ ኣፍሊጡ።

ካብ ሃገራት እስያ ወፃእ ዘለዉ መገዲ ኣየራት ድማ 1 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ክሳራ ክገጥመን ከምዝኽእል ተገሊፁ።

ቻይና ድማ ምስ እዚ ተተሓሒዙ 12 ነጥቢ 8 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ክትስእን ከምትኽእል እቲ ማሕበር ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣብሪሁ።

እቲ ማሕበር፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2003 ተወሊዑ ዝነበረ ቫይረስ ሳርስ ዘስዓቦ ጉድኣት መሰረት ብምግባር ዘውፅኦ ትምበያ ምዃኑ እውን ገሊፁ።

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.