Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ንኣውሮፕላናት ብኬሚካል እናፀረገ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ንኣውሮፕላናት ብኬሚካል እናፀረገ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ መገዲ ኣየር ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ካብ ውሽጢ ዝገብሮም ልዑል ቅድመ ጥንቃቐታት፥ ካብ ቻይናን እቲ ቫይረስ ተራኢዩወን ካብ ዝተብሃላ ሃገራትን ዝመፅኣ ኣውሮፕላናት ብኬሚካል ናይ ምፅራግ ስራሕቲ ሓደ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ነቲ ለበዳ ሕማም መከላኸሊ ዝኾኑ መሳርሒታት ሕክምና ናብ ኢትዮጵያ ከምዘእተወ እውን እቲ መገዲ ኣየር ኣፍሊጡ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተጓዓዝቱን ሰራሕተኛታቱን ዓለም ለኸ መለክዒ ብዝሓለወ መልክዑ ሓለዋን ጥንቃቐን ብምግባር ናብ ቻይና ዝገብሮ በረራ ከምዘየቋርፅ ምግላፁ ይዝከር።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.