Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ንዝገበሮ ሓገዝ ናእዳ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ማሕበር ትራንስፖርት ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ትራንስፖርት ኣየር ንዝገበረቶ ሓገዝ ንኢዱ።

እቲ ማሕበር ኣብ ኣፀጋሚ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19፥ ኢትዮጵያ እናገበረቶ ዝፀንሐት ሓገዝ ብምንኣድ እቲ ተግባር ኣጠናኺራ ንኽትቅፅል እውን ሓቲቱ።

ምክትል ፕሬዚዳንት ማእኸላይን ምብራቕን ኣፍሪካ ዓለም ለኸ ማሕበር ትራንስፖርት ዝኾና ካሚል ኣላዋዲ ከምዝበለኦ፥ ኢትዮጵያ ምትእስሳር ኣገልግሎት ጉዕዞን ኣየርን ንምዕባይ ብዝወሰደቶ ኣወንታዊ ስጉምቲ እንኳዕ ደስ በለና ኢለን።

ብኻሊእ መዳይ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝህቦ ቀጥታ በረራን ሕብረት ኣፍሪካ ዘንበሮ ኣገልግሎት ቀጥታ በረራን ን21 ሺሕ ሰባት ዕድል ስራሕ ፈጢሩ ኢዩ ተባሂሉ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ 81 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ወሰኽ ከምዘርአየ ተሓቢሩ።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ መላእ ኣፍሪካ ክታበት ምውሳድን ምጥንኻርን ኣድላዪ ከምዝኾነ እቲ ማሕበር ኣገንዚቡ።

ፍልፍል፡- ኢንጂነሪንግ ኒውስ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.