Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም 5 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመተ 2014 ዓ.ም 5 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲኡ ዝርከቡ ትካላት ኣብ ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ምን ቀፃሊ ኣንፈት በጀት ዓመት 2015 ዓ.ምን ገምጊሙ፡፡

ወና ፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰው፥ እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ብብርኪ ዓለም ዘጋጠመ ቅልውላው ኢኮኖሚ ተፃዊሩ 5 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ኩባኒያ ኣብቲ በጀት ዓመት ልዕሊ 6 ሚሊየን 900 ሺሕ ዓለም ለኸ ተጓዓዝቲ ዘተኣናገደ እንትኸውን፥ 7 ሺሕ 700 ቶን ኣገልግሎት ፅዕነት ከምዝሃበ እውን ተሓቢሩ፡፡

እቲ ዝተረኸበ ኣታዊ ምስ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም እንትነፃፀር ድማ 79 ሚኢታዊ ሓለፋ ከምዘለዎ እቶም ዋና ፈጻሚ ስራሕ ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.