Fana: At a Speed of Life!

ማሕበር ኣክሲዮን ትራንስፖርት መደሪ ኢትዮ-ጅቡቲ ልዕሊ 2 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ኣታዊ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዚያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ኣክሲዮን ትራንስፖርት ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ካብ ተጓዓዝትን ኣገልግሎት ፅዕነትን ልዕሊ 2 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

እቲ ማሕበር ክሳብ 1 ሰባት ናይ ምጉዕዓዝ ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ለዕሊ 155 ሺሕ ተጓዓዝትን 1 ነጥቢ 4 ሚሊየን ቶን ኣገልግሎት ፅዕነትን ከምዘጎዓዓዘ ሓቢሩ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ማሕበር ኣብዲ ዘነበ (ዶ/ር)፥ ብትራንስፖርት ባቡር ምቹእ ምህዳር ኣብ ምፍጣር ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ፍሪያት ወፃኢን ኣታዊን ናይ ምጉዕዓዝ ዓቕሚ በዝበለፀ ክብ ንምባል ምስ ዝምልከቶም ኣካላት በምውዳድ ይስራሕ ኣሎ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.