Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ካብ ኩባኒያ ቦይንግ ክፍሊት ካሕሳ ከምዝፅበ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ካብ ኩባኒያ ቦይንግ ክፍሊት ካሕሳ ከምዝፅበ ኣፍሊጡ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም፥ እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ልዕሊ ኣውሮፕላን ቦይንግ ማክስ 737 ዝበፅሐ ሓደጋ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ካብቲ ኩባኒያ ክፍሊት ካሕሳ ከምዝፅበ ተዛሪቦም።

ኣይተ ተወልደ ምስ ሬውተርስ ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዛዕባ ክፍሊት ብዝምልከት ነቲ ኩባኒያ ንዘተ ከምዝኣንገዶ ብምግላፅ እቲ ካሕሳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከባቢ ቢሾፍቱ ዝተሓምሸሸ ኣውሮፕላን ቦይንግ ማክስ 737 ንዝበፅሐ ጉድኣት ምዃኑ ኣብሪሆም።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ መንገዲ ኣየር ካብቲ ኩባኒያ ክቐርቡሉ ዝኣዘዞምን ብእዋኑ ዘይተረከቦምን ኣውሮፕላናት ምኽያት ዝሰኣኖ ኣታዊ ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝኸውን ኣይተ ተወልደ ገሊፆም።

ኣይተ ተወልደ ከምዝበሉዎ፥ እቲ ክፍሊት ካሕሳ ክሳብ መዕፀዊ በጀት ዓመት ዝኾነ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ከምዝፅበዩ ተዛሪቦም።

መጠን እቲ ካሕሳ ዘይገለፁ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ፥ እቲ ካሕሳ ብገንዘብ ወይ እውን ብመልክዕ ቀረብ ኣቑሑት ኣውሮፕላን ክኸውን ከምዝኽእል ኣገንዚቦም።

ንበረት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ኣውሮፕላን ቦይንግ ማክስ 737፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መጋቢት ካብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነበርቲ ቦሌ ተበጊሱ ድሕሪ ደቓቕይቕ ከምዝተሓምሸሸ ይፍለጥ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስ ኮቪድ-19 ተተሓሒዙ ካብ መገደኛታት ዝሰኣኖ ኣታዊ ንምክሕሓስ ብዝብል 22 ኣውሮፕላናት ኣቑሑት ናብ ፅዕነት ኣውሮፕላን ብምቕያር እናሰርሐ ከምዝኾነ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ወሲኾም ሓቢሮም።

ግልጋሎት ፅዕነት ኣውሮፕላናት ቀረብ ኣቑሑት መከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ንምቕራብ ተደላይነተን ዝወሰኸ እንትኸውን፥ እቲ መገዲ ኣየር እውን ካብ መገደኛታት ዝሰኣኖ ኣታዊ በዚ ንምክሕሓስ እናሰርሐ ይርከብ ኢሎም።

እቲ መገዲ ኣየር ካብ ወርሒ ለካቲት ክሳብ ሚያዚያ ኣብ ዘሎ እዋን 550 ሚሊየን ዶላር እቶት ከምዝሰኣነ ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.