Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኬንያ ናብ ቻይና ዝገብሮ በረራ ብግዚያዊነት ኣጊዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መገዲ ኣየር ኬንያ ናብ ቻይና ዝገብሮም በረራታት ብግዚያዊነት ከምዝኣገደ ኣፍሊጡ።

ንውሓት ምእጋድ እቲ በረራ ንምውሳን ድማ ምስ ሚኒሰትራት ጉዳያት ወፃኢን ጥዕናን ዘተ እናተካየደ ምዃኑ ገሊፁ።

እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ካብ ቻይና ወፃእ ናብ ታይላንድን ባንኮክን ዝገብሮ ጉዕዞ ክቕፅል ኢዩ ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ቻይና ከተማ ዉሃን ናብ ሃገሩ ዝተመለሰ ኬንያዊ ተምሃራይ፥ ኣብ ሆስፒታል ተፈልዩ ምርመራ እናተገበረሉ ፀኒሑ ኢዩ።

ኣብ ኣፍሪካ ብቫይረስ ኮሮና ተታሒዞም ብዝብል ዝተጠርጠሩ ሽዱሽተ ሰባት ዋላ እኳ እንተረኸቡ፥ ኩሎም ሰባት ናፃ ምዃኖም ብዝተገበረሎም ምርመራ ተረጋጊፁ ኢዩ።

ዝተፈላለያ ሃገራት ምስ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ተተሓሒዙ ናብ ቻይና ዝገብረኦ በረራ እናኣገዳ ይርከባ።

ፍልፍል፦ ቢ.ቢ.ሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.