Fana: At a Speed of Life!

መግለፂ ቅዋም ህዝባዊ ኮንፈረንስ ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መስመርና ኣፅኒዕና ንመኸተ ብዝብል መሪሕ ቃል ካብ ዝተፈላለዩ ሕብረተሰባዊ ክፋላት ትግራይ ማለት እውን ሓረስታይ፣መንእሰይ፣ ደቂ ኣነስትዮ፣ ሙሁራን፣ ነበርቲ ከተማታት ልምዓታዊ ሰብ ሃፍትን ነጋዶን፣ ስድራ ስውኣት፣ ስቪል ሰርቫንት፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓድን ወከልቲ ስቪክ ማሕበራትን ማእኸል ሃገር ካብ ዘለዉ ተወለድቲ ትግራይ ብድምር ልዕሊ 1500 ተሳተፍቲ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ካብ ዕለት 18-19 ታሕሳስ 2012 ዓ/ም ንተኸታተልቲ ክልተ መዓልቲ ኣብ ከተማ መቐለ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ተረኺብና ፓለቲካዊ፣ ኢኮነምያውን ማሕበራዊን ኩነታት ሃገርናን ክልልናን ሰፊሕ ዲሞክራስያዊ ዘተን ምይይጥን ድሕሪ ምክያድን ምግምጋምን ሓሳብና ብምጥማር ናብ ሓደ መደምደምታ በፂሕና ኣለና።

ስለዝኾነ ቅድሚ ኩሉ ኣብዚ መድረኽ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ተመያይጥና መግለፂ ቅዋም ኣውፂእና እንፍለየሉ ዘይኮነስ ነጥበ መቐይሮ ዘምፅእ ውሳነታት ወሲና ብዘይ ውዓል ሕደር ናብ ጭቡጥ ግብራዊ ምንቅስቃስ ንምእታው ዘኽእል መደምደምታት ከም ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።
ኣብዚ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ትግራይ ወድዓዊ ኩነታታት ሃገርና ብዝርዝር ዘቲና ኣለና። ብምዃኑ እውን ኩነታት ሃገርና በቢዕለቱ ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፍአ ይኸይድ ኣሎ ጥራሕ ዘይኮነስ ሕብረብሄራዊ ፌደራላዊን ሕገ መንግስታውን ስርዓትና ተጣሒሱ ሃገር ብሓይሊ፣ ምልክን ፖለቲካዊ ፀቅጥን እትግዘአሉ ደረጃ ከም ዝበፅሐት ደምዲምና ኣለና።

ብምዃኑ እውን ነዛ ሃገር ተቖፃፂሩ ዘሎ ሓይሊ ንዝደልዮም ብኣድልዎ ዝኣስረሉ፣ ዘፈናቕለሉ፣ ዝጭፍልቐሉ፣ ዘናሽወሉን ዘግልለሉን ኩነታት ብምፍጣሩ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሰላም ስኢኖም ኣብ ስግኣትን ጭንቅን ዝነብሩሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ። ብሓፂሩ ሃገርና ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ንባዕላ ክኢላ ንኻልኦት ሃገራት ተምሳሌት ሰላም ምዃና ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ናእዳ ዝረኸበት ዓዲ እያ ነይራ። ሎሚ ግና ዘበነያ ግርምቢጥስ ማይ ነዓቐብ ኮይኑ ንባዕላ ሰላም ዝሓረማ ሃገር ኮይና ትርከብ።

ኣብ 1983 ዓ/ም ብዓለም ብርኪ ብድኽነት እትፍለጥ ዝነበረት ሃገር ብፍላይ ድሕሪ ተሃድሶ ብልምዓታውን ዲሞክራስያውን መስመር እናተመርሐት ስሉጥ ምዕባለ ካብ ዘረጋገፃ ውሑዳት ሃገራት ክትስራዕ ክኢላ እያ። እንተኾነ ግና ሎሚ ስልጣን ተቖፃፂሩ ዘሎ ፅግዕተኛ ሓይሊ ናይ ሃገርና ፖሊሲ ነፃነትን ሉእላውነትን ብምግሃስ ማዕፆኡ ጋሕ ኣቢሉ ስለ ዝሃበ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ቅልውላውን ድቀትን ክትኣቱ፣ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተሃነፁ መንግስታዊ ትካላት ብሽም ሪፎርም ኣፍሪሱ ሃገር መዐንደሪ ዝጎተኑ ፋሉላትን ክትከውን ብምግባር፣ ኣብ ሞንጎ ብሄርን ብሄረ ሰባትን ህዝብታት፣ ሃይማኖታትን ዘየድሊ ቅርሕንትን ደም ምፍሳስን ክፍጠር ገይሩ እዩ።

እዚ ከም ዘለዎ እንሃለወ ነዛ ሃገር ንምምራሕ ሕጋዊ ውክልና ዝረኸበ ውድብ ኢህወዴግ ብምፍራስ ናይ ባዕሉ ፃምእ ስልጣን ዘርውየሉ ብሽም ውህደት ሓዱሽ ዘይሕጋዊ ውድብ መስሪቱ ሕጋዊ መስርሕ ከይተኸተለ ኣፍልጦ ከም ዝረኸበን ንሰምዕ ንዕዘብ ኣለና።
እዚ ሓይሊ እዚ ስልጣን ካብ ዝሓዘሉ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ትግራይን መንግስቲ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ዝኸፈቶ ስነ ልቦናዊ ኲናት፣ ዝፈፀሞምን ዝፍፅሞም ዘሎን ብሄር ተኮር ጥቕዓትን ዘብፀሖ ማሕበራውን ኢኮነምያውን ስምብራት ሎሚ እውን ባንዳታትን ጠላማትን ዓሲቡ ብዝኸፍአ መንገዲ ይፍፅም ኣሎ።

ኮይኑ ግና ህዝቢ ትግራይ፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ማይን ፀባን ብምዃን ኩሎም ዝተኣለሙ ተንኮላትን ሽርሕታትን ከከም ኣመፃፅአኦም እናፍሸልዎም ይርከቡ። ንቐፃሊ እውን ኣብ ሓደ ረቢቦም ከም ዘፍሽልዎ ፈታዊ ይኹን ፀላኢ ክፈልጥ ይግባእ። ንሕና ተሳተፍቲ እዚ ዋዕላ እውን ከም ተወከልቲ ህዝቢ መጠን ካባና ዝድለን ዝተሓተትናዮ መስዋእትን ንምኽፋል ድሉዋት ምዃና እናገለፅና ናይ ሓሳብና ጥማር መግለፂ ቅዋም ዝሓዘ በዓል 9 ነጥቢ ውሳነታት ኣሕሊፍና ኣለና።

ፈለማ ስራሕ ፈፃሚ ውድብና ህወሓትን ቀፂሉ ድማ ማእኸላይ ኮምቴ ህወሓትን ውድብ ህወሓት ናይ ምምራሕ እምበር ናይ ምፍራስ ስልጣን ኣይብልናን ዝብል ዝወሰድዎ ፅኑዕ መርገፂ እናድነቕና ንሕና ተሳተፍቲ ህዝባዊ ኮንፈረስ ብወገና እውን መራሕቲ ውድብና ህወሓት ናይ ምምራሕ እምበር ናይ ምፍራስ ስልጣን ከም ዘይብሎም፣

መሪሕነት ህወሓት ተለኣኣኽቲ ህዝቢ ትግራይ እምበር ናይ ማንም ምድራዊ ሓይሊ ተለኣአኽቲ ከም ዘይኮኑ፣ ውድብ ህወሓት ናይ ምፍራስ ይኹን ናይ ምቕፃል ዋኒን ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ጥራሕ ብምዃኑ መሪሕ ውድና ህወሓት ብሽም ውህደት ብምጥፋእ ህዝቢ መራሒ ዘይብሉ ክተርፍ ዘግብርን ህዝቢ ትግራይ ብሳላ ተሪር ቅልፅሙን ቃልሱን ዝደምሰሶ ድሑርን ፀረ ዲሞክራስያውን ስርዓት ዝምልስ ስለ ዝኾነ ብፍፁም ዘይንቕበሎን ውሳነ ውድብና ህወሓት ትኽክለኛን ናይ ህዝቢ ትግራይ መርገፂ ምዃኑን ኣሚና ኣብ ጎኒ ውድብና ህወሓት ተሰሊፍና ዝድለ ኩሉ ንኽንከፍል ወሲና ኣለና።

ደርጊ ዝደምሰሰ፣ ዓሰርተታት ዓመታት ማዕርነትን ኩለ መዳያዊ ማሕበረ ኢኮነምያዊ ዕብየት ዘረጋገፀ፣ ምልኣተ ህዝቢ በቢደረጅኡ ተጠቃሚ ዝገበረ፣ ብሩህ ህዳሰ ጉዕዞ ዘበሰረ፣ ልዕሊ ስሳታት ኣሽሓትን መስዋእቲ ዝተኸፈለሉ ኣማኢት ኣሽሓት ኣካሎም ዝጎደልሉ ልምዓታዊ፣ ዲሞክራስያዊ ህዝባዊ መስመርና ሎሚ ይኹን ፅባሕ ብሕታዊ መማረፂና ብምዃኑ ብቐፃልነት እናዓሞቐን እናማዕበለን ንቅድሚት ንኽስጉም ኣብ ዙርየኡ ከም ንህቢ ዓሲልና ካባና ዝድለ ኩሉ ንምፍፃም ወሲና ኣለና።

ማእኸላይ ኮምቴ ህወሓት ሎሚ እውን ካብ ህዝባዊ መትከሉ ፈተኽ እንተይበለ እቲ ስልጣን ዝተቖፃፀረ ፅግዕተኛ ሓይሊ መስሪቱዎ ዘሎ ሓደሽ ፓርቲ ኣይንፅምበርን ንውድብ ህወሓት ኣይነፍርስ ብምባል ዝሓዞ መርገፅን ዘሕለፎ ውሳነን ሕጊ ሃገርናን ህገ ደምቢ ውድብና ህወሓት ዝተኸተለ ርትዓውን ሕጋውን ብምዃኑ፣ ብኣንፃሩ ድማ ብሽም “ምድማር” ተመስሪቱ ዘሎ “ብልፅግና” ዝበሃል ፓርቲ ረብሓና ዝፃረር፣

ኣብ ብዙሕነት ዝተመስረተ ሕገ መንግስታዊ፣ ፌደራላዊ ዴሞክራስያዊ ስርዓትና ኣፍሪሱ ኣብ መልክኣ ምድራዊ (ጂኦግራፍያዊ) ዝተመስረተ ኣሃዳዊ ናይ መግዛእቲ ስርዓት ንኽመልስ ምስ ዝመፀ ድሑር ኣረኣእያ ክሳብ መወዳእታ ከም እንቃለሶን ውሳነ ውድብና ህወሓት ውሳነና ምዃኑ ብምእማን ነዚ ተግባራዊ ንምግባር ወሲና ኣለና።

ንሕና ተሳተፍቲ ህዝበዊ ኮንፈረንስ ነባር ኢህወደግ ብጥልመትን ብክሕደትን እቲ ናይ ፈደራል መንግስቲ ተቆፃፂሩ ዘሎ ሓይሊ ብዕሊ ኣፍሪሱዎ ከም ዘሎ ፈሊጥና ኣለና። ስለ ዝኾነ ኣብዛ ሃገር ብዙሕነት መሰረት ዝገበረ ሕብረ ብሄራዊ ፌደራላላዊ ሓይልታት ብሓፈሻ ምስ ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሃገርና ቅልፅምና ጠሚርና ንምቅላስ ወሲና ኣለና።

ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብፍላይ ድማ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት በቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይልን መሻርኽቱ ዝኾኑ ጠላማት ፀረ ሰላምን ፀረ ህዝብን ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝብን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ውድብና ህወሓትን ዘብፅሕዎን ዘብፅሕዎ ዘለዉን ማእለያ ዘይብሉ ጥቅዓትን ሽርሕታትን ከም ህዝቢ፣ መንግስትን ውድብን ሓድነትና ኣስጢምና ብምቅላስና ዝፈሓስዎ ገመድ ውዲት በጣጢስና ሐዚ እውን ከም ትማሊ ሰላም ትግራይ ውሑስ ንምግባር ሓድነትና ኣስጢምና ናብ ዝለዓለ ብራኸ ንምውፃእ ኩሉ ዓይነት ኣስተዋፅኦን መስዋእትን ንምኽፋል ወሲና ኣለና።

ካብ ማህፀን ትግራይ ተፈጢሮም ብገንዘብ ተዓሲቦም፣ መንነቶም ሸይጦም፣ ብድሑር ከባብያዊን ካልኦት ድሑራት ኣረኣእያያታትን ተጎልቢቦም ሰላምን ትግራይ ንምዝራግ እንተኽኢሎም እውን ንምፍርራስ መልክዖም ከም ነፋሒቶም እናቐያየሩ ብየማነ ፀጋም ቅልቅል ውጥም እናበሉ ህውከትን ዕግርግርን ንምፍጣር ህርዲግ ዝብሉ ዘለዉ ጠላማትን ባንዳታትን ካብ እከይ ተግባሮም ክቑጠቡ እንተዘይኮይኑ ድማ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሕግን ስርዓትን ንምኽባር ኣብ ዝወስዶ ሕጋዊ ስጉምቲ ኣብ ጎኑ ተሰሊፍና እጃምና ክነበርክት ወሲና ኣለና።

ኣብዚ ዓመት ንመበል 45 ዓመት ዝኽበር ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ በዓል 11 ለካቲት ብድሙቕ ፅምብል ንምኽባር ብዝለዓለ ወነ ንሸባሸብ ኣለና። እዚ ታሪኻዊ በዓልና እንትነኽብር ብሓደ ገፅ ዝተፈላለዩ ተረፍ መረፍ ፅግዕተኛ ሓይልታት ቦታ ረኺቦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍሕስዎ ዘለዉ ናይ ጥፍኣት ገመድ ተመሊሱ ክሳዶም ክሓንቆም ኣብ ልምዓታውን ዲሞክራስያውን ህዝባውን መስመርና ዓሲልና ብምቅላስ ዘላቂ ልምዓትናን ሰላምናን ኣጠናኺርና ብምውሳድ ዳግም ታሪኽ እንሰርሓሉ ዓመት ክኸውን ቃልና እነሐድሰሉ

በቲ ካሊእ ገፅ ድማ ህዝቢ ትግራይ ካብ ድሕረትን ድኽነትን ንምውፃእ ፀገማት ጉድለት ሰናይ ምምሕዳር ንምፍታሕን፣ ተጠቃምነት መናእሰይን ደቂ ኣነስትዮን ንምርግጋፅ ውድብን ብሄራዊ ክልላዊ ምንግስቲ ትግራይ ጀሚሮምዎ ዘለዉ ተስፋ ህዝቡ ስራሕቲ ኣብ ዝግበር ዘሎ ርብርብ ብመልክዕ ሰራዊት ልምዓትን መኸተን ተወዲብና ካባና ዝድለ ኩሉ ንኽንፍፅም ወሲና ኣለና።

ሰላም ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ናብ ንቡር ክምለስ ምግባር ናይ ክልቲኦም ህዝብታት ረብሓ ከም ዘረጋግፅ ንኣምን። ብምዃኑ እውን ሰላምና ንምርግጋፅ ዝጠቕሙ መንገዲታት ውሕሉልን ትዕግስቲ ብዝተመልኦን መንገዲ እናፈፀምና ሕውነትን ምሕዝነትን ክልቲኡ ህዝብታት በቲ ተጀሚሩ ዘሎ ርክብ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከም ህዝቢ ትግራይ ካባና ትፅቢት ዝግበር ኩሉ ንምፍፃም ወሲና ኣለና።

ኣብ መወዳእታ ብሄር ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ክሳብ መወዳእታ 2012 ዓ/ም ንኽመርሖም ድምፆም ዝሃብዎ ኢህወደግ ብፀረ ዲሞክራስያዊ ኣገባብ ፈሪሱ ኣሎ። ውድብና ህወሓት ግና ህዝቢ ዝሃቦ ሓደራን ቃልን ኣኽቢሩ ልምዓታውን ዲሞክራስያውን መስመሩ ኣፅኒዑ ብምሓዝ ይቅፅል ኣሎ።

ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ተመስሪቱ ዝበሃል ዘሎ ሓዱሽ ፓርቲ ሕጋዊ ስለ ዘይኮነ ኣብ ጎኒ እቲ ብመረፃ ዝቖመ ሕጋዊ ውድብ ደው ክብሉን፣ ሕጋዊ መረፃ ክካየድ መላእ ብሄር ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ኩሎም ፌደራሊስት ሓይልታት ታሪኻዊ ግቡኦም ክፃወቱ እናሓተትና ህዝቢ ትግራይ እውን ኣብ ጎኑኹም ኮይኑ ዝከኣሎ ኩሉ ከም ዝገብር ወሲና ኣለና።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስወኣትና!!
መስመርና ኣፅኒዕና ንመኸተ!!
ወይከ ፈተኽ! ሓርን! ፅናዕ!!

ተሳተፍቲ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ትግራይ
19 ታሕሳስ 2012 ዓ/ም
መቐለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.