Fana: At a Speed of Life!

ሙሁራትን ሰብ ሞያን ሱዳን መንግስቶም ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ዘሰጉሞ ዘሎ ቅዋም ዝተሰሓሓተ ምዃኑ ይገልፁ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ሙሁራትን ሰብ ሞያን ሱዳን መንግስቶም ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ዘሰጉሞ ዘሎ ቅዋም ዝተሰሓተ ከምዝኾነ ይገልፁ ኣለዉ ከብሉ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ይበልጣል ኣእምሮ ገሊፆም።

እቶም ኣምባሳደር፥ ኣስዋን ግድብ ንግብፂ ብዙሕ ረብሓ ክረኽቡ ሓጊዝዎም እዩ ኢሎም።

ግብፃውያን ካብ አስዋን ዝረኽብዎ ጥቕሚ ሱዳናውያን ድማ ካብ ግድብ ህዳሰ ብዙሕ ረብሓ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም ክብሉ ገሊፆም።

ስለዝኾነ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ግድብ ህዳሰ ዝሓዞ ዝተሰሓሓተ ቅዋም ብዝምልከት ሱዳናውያን ብፍላይ ጋዜጠኛታት ሱዳን ብሰፊሑ ይቃወምዎን ከምዘለው እቶም ኣምባሳደር ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ እቶም ሱዳናውያን ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ዘሎ ዝተሰሓሓተ ቅዋም ናይ ፖለቲከኛታት እንበር ናይቲ ህዝቢ ድሌት ኣይኮነን ምባሎም ገሊፆም ከብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.